Saturday, February 16, 2013 ሰዓት'ቲ ከባቢ 18:13

Horn of Africa

ግድብ ተከዘ ናብ ውራይ ልምዓት ዘሰጋግር መጽናዕቲ ተኻይዱ

TEKEZE DAMTEKEZE DAM
x
TEKEZE DAM
TEKEZE DAM
መጠን ፅሑፍ - +
ንፍልፍል ሓይሊ ክውዕል ተገዲቡ ግልጋሎት ዝህብ ዘሎ ግድብ ተከዘ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ውራይ ልምዓት ንምክያድ ዘኽእል መጽናዕቲ ብምትሕግጋዝ ማሕበር መናእሰይ ትግራይን ዩኒቨርሲቲ መቐለን እዩ ተኻይዱ፡፡

ግድብ ተከዘ ገቲኡ ሒዙዎ ዘሎ ኣብ 75 ኪሎሜትሮ ዝንውሓቱ ዝሃረሰ ማይ ብኸመይን ንምንታይን ውራይ ልምዓት ይውዕል ዝብል እዩ ጠመተ እቲ መጽናዕቲ፡፡ብመሰረት እዚ ክኢላታት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ስነ ምህዳር እቲ ከባቢ ንምፍራይ ንህቢ፣ደራሁ፣ጠለበጊዕ፣ዓሳን ሓርገጽን ከምዝጥዕም ብዘካየድዎ መጽናዕቲ ኣረጋጊጾም ኣለዉ፡፡እቲ ከባቢ ብተወሳኺ ሓደ ፍልፍል ሃፍቲ ቱሪዝም ምዃኑ እውን ጠሊሉ ኣሎ፡፡

ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ዕላዊ ንምግባር ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ዝተረኸቡ ምክትል ኣማሓዳሪ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶክተር ክንደያ ገብረሕይወት እቲ መጽናዕቲ ናብ ተግባር ዘሰጋግር ዋኒን ብቕልጡፍ ክጅመር እዩ ኢሎም፡፡

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት መናእሰይን ስፖርትን ክልል ትግራይ ኣይተ ኣብርሃ ገብረዋህድ ኣብ ዓድና ዝውስኽ ዘሎ ቁጽሪ ዝሰልጠኑ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ክረኽቡ ዘኽእል ዓውዲ ልምዓት ንምፍጣር መናእሰይ ናብቲ ከባቢ ክወፍሩ ናይ ምእማን ስራሕቲ ከምዘድሊ ሓቢሮም ኣለዉ፡፡
ግድብ ተከዘ ንጎላጉል ራያን ሑመራን ሓዊሱ ሳልሳይ ዓውደ ልምዓት ይኸውን ምህላዉ ተገሊጹ ኣሎ፡

ኣዳምጹ
Loading
12:00:00 / -:--:--
ሪኢቶ
     
ኣብ'ዚ ቅጥዒ'ዚ ሪኢቶ የለን።ፈላማይ ኩን።