Sunday, February 17, 2013 ሰዓት'ቲ ከባቢ 00:11

Horn of Africa

ምጥቓዕቲ ቤንጋዚ ኣካል ኣብ ምሉእ ሰሜን ኣፍሪካ ዘሎ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ሽብር እዩ ኢለን ሂላሪ ክልንቴን

Clinton
Clinton
መጠን ፅሑፍ - +
ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሂላሪ ክልንቴን ኣብ ቤንጋዚ ሊቢያ ኣብ ዝርከብ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ቖንሱል ዝሓለፈ መስከረም ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ኣካል ኣብ ሙሉእ ሰሜን ኣፍሪካ ናይ ዘሎ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ሽብር እዩ ኢለን።ትማሊ ረቡዕ ንኮንግረስ ኣብዝሃብኦ ቃል ምስክርነት ንሓዋሩ ተመሳሳሊ መጥቓዕቲ ንኸይፍፀም ንምክልኻል ክግበር ብዛዕባ ዘለዎ እውን ተዛሪበን ኣለዋ።

ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሂላሪ ክልንቴን እቲ ንኣምባሳደር ሓዊሱ ንኣርባዕተ ኣሜሪካዊያን ዝቐተለ ኣብ ቤንጋዚ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ቆንሱል ዝተፈፀመ  መጥቓዕቲ ኣንፃር ሽብር ናይ ዝካየድ ሰፊሕ ስትራተጂያዊ ፈተና እዩ ኢለን።

ናይ ዓረብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንናይቲ ከባቢ ሓይሊ ቀያይሩዎ፣ንኩነታት ሓይልታት ፀጥታ’ውን ኣዳኺሙዎ እዩ ኢለን ሂላሪ ክልንቴን።ኣስዒበን ‘’ኣብ ማሊ ዘሎ ዘይምርግጋእ ኣሸበርቲ ተፅዕንኦም ብምስፋሕ ከምቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣልጀሪያ ዝርኣናዮ ዓይነት ተዋሳኺ መጥቓዕትታት ንምእላም ዘኽእሎም ሃዋህው ፈጢሩሎም ኣሎ።’’
  
ወ/ሮ ሂላሪ ብነፃ ቦርድ መርማሪ ዝተሃቡ መፍትሒ ሓሳባት ብምሉኦም ከምዝተቐበልኦምን ካብኦም እቶም 85 ሚእታዊ ክሳብ ዝቕፅል ወርሒ መጋቢት ኣብ ግብሪ ከምዝውዕሉን ንኣባላት ቤት ምኽሪ ገሊፀናሎም።

 ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነት ሰባት ከመይ ክሰርሑን ንዝፍጠር ቅልውላው ከመይ መልሲ ክውሃብ ከምዘለዎን ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ እናርኣናዮ ኢና ኢለን።

 ኣብ ቤንጋዚ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ፖለቲካዊ ምስሕሓስብ ዝፈጠረ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ዝኾና ሱዛን ራይስ ናይ ሽብር ከይኮነስ ብእስላማዊ ተቓወምቲ ዝተፈፀመ ናይ ሃንደበት መጥቓዕቲ እዩ ክብላ ንመራኸቢ ብዙሃ ተኸታታሊ ቃለ መጠይቕ ምስ ሃባ ነይሩ።
 ሰኔተር ጆን ሚኬይን ኣሜሪካዊያን ናይ ሓሶት ከይኮነስ ሓቃዊ መልሲ ክረኽቡ ኣለዎም፤ብኣምባሳደር ሱዛን ራይስ ዝተውሃበ መልሲ ግን ጌጋ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
ወ/ሮ ሂላሪ እቲ መጥቓዕቲ ንምንታይ ተፈፂሙ ኢልካ ካብ ምዝራብ እቶም ተሓተቲ ናብ ቅድሚ ሕጊ ምቕራብ ዝበለፀ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ ክብላ ተዛሪበን።

ናይ ሊቢያ ዴሞክራሲያዊ ስግግር ብዓወት ክዛዘም ኮንግረስ ሓገዝ ክህብ ከምዘለዎ’ውን ገሊፀን ሂላሪ ክልንቴን።

ተንታኒ ካቶ ኢንስቲቱት ማሉ ኢኖሰንት ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ሊብያ ብርክት ዝበሉ ብድሆታት ከምዘጋጥማን ሊብያ ናይ ምዕራባዊያን ዴሞክራሲ ንምትግባር ኣብ እትፍትነሉ እዋን ህውከት ከጋጥም እዩ ይብላ።

ኣብ ወፅኢ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ዲፕሎማሰኛታት ዘጋጥም ሓደጋ ንምንካይ ክንዲ እተሰርሐ ይሰራሕ ኢለን ሂላሪ ክልንቴን ኣብ ስራሕቶም ሓደጋ ከጋጥሞም ከምዝኽእል ብምቕባል ከምዝሰርሑን ኣብ ውሽጢ ድፋዓት ኮይኖም ተልኡኹኦም ክፍፀሙ ከምዘይኽእሉን ሓቢረን ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ሂላሪ ክልንቴን።