Friday, February 15, 2013 ሰዓት'ቲ ከባቢ 04:11

Horn of Africa

ኣብ ስደት ዝርከቡ መናእሰይ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ክሰርሑ ይጻዓር’ሎ

Ethiopian-Global-Initiative members Samuel Gebru and Fitsum BirhaneEthiopian-Global-Initiative members Samuel Gebru and Fitsum Birhane
x
Ethiopian-Global-Initiative members Samuel Gebru and Fitsum Birhane
Ethiopian-Global-Initiative members Samuel Gebru and Fitsum Birhane

Multimedia

ድምፂ
መጠን ፅሑፍ - +
Ethiopian Global Initiative EGI ማለት’ውን ዓለምለኸ ተበግሶ ኢትዮጵያውያን ዝተባሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል ኣብ ስደት ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን መናእሰይ ናብ ዓዶም ተመሊሶም ብድልየቶም  ክሰርሑ ይፅዕር ምህላዉ ይገልፅ፡፡

ነቲ ትካል ብ2006 ዓ/ም ኣብ ኣሜሪካ ዘጣየሾ ሳሙኤል ገብሩ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ትግራይ ብምምፃእን 6 ሰሙን ብምፅናሕን ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ትግራይ ተረኺቡ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ርእዩ’ሎ፡፡

“መጀመርታ እቲ ኣብዚ ዓዲ ዘሎ ፅቡቕ ነገር ምፍላጥ የድሊ፤ መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ስደት ዘለና እቲ ፅቡቕ ነገር ኣይረአየናን፡፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ገጠር ይኹን ከተማ ዓብዪ ለውጢ እዩ ዘሎ፡፡ ብሕልፊ ኣብ ትምህርትን ጥዕናን ዓብዪ ለውጢ እዩ ዝረአ ዘሎ፡፡ እቲ ዘሎ ጸገም ድማ ብተግባር ርእየ ክርደአኒ ኣለዎ፡፡ ኣብ መወዳእታ ንኢትዮጵያ ብኸመይ ኢና ክንሕግዛ ዘለና ዝብል ብተግባር ምስራሕ እዩ እቲ ቁምነገር” ይብል ሳሙኤል፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ተወካሊ EGI መንእሰይ ፍፁም ብርሃነ ብወገኑ መናእሰይ ዲያስፖራ ናብ ዓድና መፂና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ እንተለዉ ኣብ ዓዲ ዘለና መናእሰይ ብዝተፈላለየ መንገዲ ተዘይሓጊዝናዮም ምንም ስራሕ ክሰርሑ ኣይኽእሉን ብምባል ነቲ ተበግሶ ዘለዎ እወንታዊ ኣረኣእያ ገሊጹ፡፡

ኣብዚ ተበግሶ እዚ ኢዮጵያውያን ጥራሕ እንተይኮኑስ ደቂ ካልኦት ሃገራት እውን ነቲ ዕላማ ደጊፎም ምስቶም መናእሰይ ብሓባር ይሰርሑ ምህላዎም መንእሰይ ሳሙኤል ገብሩ ይዛረብ፡፡

ሳሙኤል ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብኣካል ተረኺቡ ዝራኣዮን ዝኣከቦን መረዳእታ ብምሓዝ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ዝርከቡ መሳርሕቱ ተዛትዮም ሓደ ዓብዪ ዋኒን ኣሰናዲኦም ናብ ተግባር ዘሰጋግሮም ቅድመ ምድላው ንምፍፃም ድማ ዳግም ኣብ ዝመፅእ ታሕሳስ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ ከምዝመፅእ ሓቢሩ’ሎ፡፡
Ethiopian-Global-Initiative
Loading
12:00:00 / -:--:--